News & Events

English Bible Study Program

Posted on March 12, 2019
‘An intelligent heart acquires knowledge, and the ear of the wise seeks knowledge.‘ Proverbs 18:15 Our Church is pleased to announce the start of a long-awaited Bible Study Program in English! The new program which runs every Saturday 6 – 8 pm will be tailored to all 18+ faithfuls and anyone that’s keen to know The Eritrean Orthodox Church’s teachings and wants a closer relationship with God. Additional to the in-depth study of Dogmatic Theology and History of The Holy Church, contemporary issues such as pornography, suicide and sexuality will be addressed. Therefore if you have any questions that you want the answers to or want to get closer to our Lord Jesus Christ, our church doors are open every Saturday evenings. Come in Peace!

Board of Trustees

Posted on February 19, 2019
A special meeting of the Board of Trustees of Eritrean Orthodox Christian (Debre Sahl St. Michael’s) Community Church (charity registration number 1044068) was held at our Church’s main office on the 16th of February 2019. The aim of this meeting was to replace the existing board of trustees; who served the community and have played a great role in leading us to the prosperous position that we find ourselves in, by appointing new members as per the community’s constitution. The new selected members for the board of trustees compromise of: Mr. Abrhaley Mebrahtu – ChairDr. Semere Tewolde – TreasurerMr. Solomon Russom – SecretaryMr. Fitsum Khasa – Elected MemberMr. Berhane G/alpha – Elected MemberMr. Yaqob Haile – Elected Member They have agreed to volunteer their time and will lead our community with their wide range of professional experiences. With their collective competencies, we will be able to make professional judgments in matters associated with the governance and operations. The new members of the board will use their skills and experiences in financial management, auditing, risk mitigation as well as communications to support the decision making process that will help us achieve our main aims and objectives. We would like to take this opportunity to pray for guidance and wish them all the best in the next 3 years in their roles as Trustees of Debre Sahl. St. Michael’s Eritrean Orthodox Community Church.
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን። ብኣምላኽነቱ ፈጢሩ፡ ዘይጭክነልና ንስም ኣሰዋውዑ ምስጋና ይኹን። ከምኡ`ውን ንወላዲቱ ንኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ነቶም ንሱ ባዕሉ ጸዊዑ ዘኽበሮም፡ ኣኽቢሩ ዝቐደሶም ንኹሎም ቅዱሳን ክብሪ ይኹን። ority4 እዚ ሓይለ ቃል እዚ፡ ካብቶም ነቢያት ሓደ ዝኾነ ነቢይ ዳዊት ኢዩ ተዛሪብዎ። ዳዊት ብህይወት እንከሎ፡ ብዳሕራይ ዘመን ዝኸውን ስለዝተገለጸሉ ኢዩ ነዚ ዝበነ። ብምልኣት ዘሎ እግዚኣብሔር ብረድኤት ተገለጸልና፡ ኣብ ሰማያት ዘሎ ልዑል ፈጣሪ ብስጋ ተወሊዱ ተገልጸልና። እቲ ኣብ ግዜ ውድቀቱ ኣብ ግዜ ሓዘኑ ንኣቢና ኣዳምን ደቁን ቃል ዝኣተወሎም ካብ ዘርእኻ ተወሊደ ከድሕነካ ኢየ፡ ካብታ ዝወጻእካላ ገነት ናብኣ፡ ናብ ሰፈርካ ከእትወካ ኢየ። ኢሉ ዝሃቦ ተስፋ እቲ ዘመን ዓመተ ኩነኔ ምስተወድአ፡ እግዚኣብሔር ብዘይምርመር፡ ብዘይንገር ምስጢር ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ። (ገላ 4:1) እዚ እቲ ዝኸውን ተገሊጽሉ ድማ ኢዩ ነቢይ እግዚኣብሔር፡ `እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ።` ዝበለ። እቲ ንጽበዮ ዝነበርና ምሕረት እግዚኣብሔር ብረድኤት ተገልጸልና። ልደቱ ንዓና ንደቂ ኣዳማ ኢዩ ጥቕሙ እምበር፡ ንባዕሉ ንፈጣሪ ኣይኮነን። ስለዚ ንዓና ረድኤት ኢዩ፡ ንዓና ምሕረት ኢዩ፡ ንዓና ባህታ፡ ሓጎስ ኢዩ። ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሰማየ ሰማያት ዝነብር፡ ብስጋ ተገልጸልና፡ ናብ ምድሪ ወሪዱ ብጸቢብ ደረት ብሓጺር ቁመት ተወሲኑ ኣብ ምድረ እስራኤል ተወሊዱ ረኣናዮ። ብልደቱ ካብ ማንም ዘይረኸብናዮ ዓቢይ ሓጎስ ረኺብና ኢና። ከም ሰብ ንዓና መሲሉ ብስጋ ዝተገለጸ ኣምላኽ ዝተወልደሉ ዕለት ድማ እንሆ ዓመት መጸ ብዓቢይ ሓጎስ ነብዕሉ ኣለና። ቀደምት ነቢያት ሱባኤ ሒዞም፡ ጾም ጸይሞም፡ ትንቢት ተነቢዮም ዝተጸበይዎ ንሕና`ውን ንሱ ኣብነት ጌርና፡ ንበዓለ ልደት ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ ጌርና ኣኽቢርናዮ ንውዕል። እዚ ቅንያት፡ ካብ ልደቱ ክሳብ ድሮ ዓቢይ ጾም ዘሎ መዓልታት ዘመነ ኣስተርእዮ ይበሃል። ቅዱስ ዳዊት፡ `እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ` ከምዝበለ ናይ ቤተ-ክርስቲያና ሰባኬ ወንጌል ዝኾነ ጥዑመ ልሳን ቅዱስ ያሬድ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝበጽሕ/ዝንገር ስብከቱ፡ `እሙነ ኮነ ልደቱ` ኢሉ ጀሚሩ፡ ካብ ሰማያት ወረደ፡ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ፡ ብመላእኽቲ ተመስገነ፡ ኣብ ቤተልሄም ተወልደ፡ ኣብ ናዝሬት ዓበየ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፡ ኣብ ቃና ዘገሊላ ተኣምራቱ ኣርኣየ እንዳበለ ይገልጽ። ወንጌላውያን ከኣ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ `ተርህወ ሰማይ` ኢሎም ገሊጾም ኣለዉ። (ማቴ 3:13) ሰማይ ተኸፊቱ፡ ማለት እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኣብ ሰማይ ኮይኑ፣ ናይ ባህርይ ወዱ ንእግዚኣብሐር ወልድ `ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር/ እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ ኢዩ።` ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ/ተሰምዐ። ብዓይኒ`ውን ኣብ ደመና ኮይኑ ተራእየ። ኣብ ኣብ ሰማይ ወልድ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ መንፈስቅዱስ ብኣምሳል ርግቢት ኣብ ርእሲ ወልድ ዓሊቡ ስለዝተራእየ፡ ናይ ኣጋእዝእተ-ዓለም ስላሴ ሓድነቶምን ሰለስትነቶምን ብጋህዲ ተራእየ። እዚ ዘመነ ኣስተርእዮ ድማ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምርኣይ፡ ናይ ምግሃድ ብምባል ይፍለጥ። ድምጹ ምስማዕ፡ ተኣምራቱ ምርኣይ(ምዕዛብ)፡ ትእዛዙ ምፍጻም፡ ኣምላኽነቱ ምኽባር፡ ኩላትና ኣመንቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ኢዩ። ንዓና ከይነዓቐ፡ ብሓጢኣትና ከይተጸየፈ፡ ስጋና ተዋሂዱ ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ፡ ተጠሚቑ በብንእሽቶ እንዳዓበየ ስርዓታቱ ኩሉ ዘርኣየና ትምህርቱ ዘምሃረና ሕጊ ወንጌል ዝሰርዓልና ፈጣሪ እግዚኣብሔር ንስም ኣጸዋውዕኡ ምስጋና ይኹን፡ ኣሜን። ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Christmas 2020

Posted on January 5, 2019
“Glory to God in the highest, and on earth peace, good will toward men.” Luke 2:14 This year’s Christmas mass will be celebrated at St. Giles Church Camberwell Church Street SE5 8RB Church doors will be open on Monday night from 7pm till mass service @ Midnight. Wishing you a Merry christmas and prosperous year 2020! N.B. Our church will also be open as usual on Sunday morning for morning prayers.
በስመ ኣብ፣ ወወልድ፣ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ፩ዱ፣ ኣምላኽ፣ ኣሜን። እንቋዕ፣ ናብ፣ ብርሃነ፣ ልደቱ፣ ብሰላም፣ ኣብጽሓና፣ ልደት ጐይታናን፣ ኣምላኽናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ንዓለም፣ ኩሉ፣ ብርሃን፣ እዩ። “ቡሩክ፣ አንተ፣ ዘትሬኢ፣ ቀላያተ፣ ነቢረከ፣ ላዕለ ኪሩቤል” “ክርስቶስ ብርሃን፣ ዘአሰሰልከ፣ ጽልመተ፣ ላዕለ። ኪሩቤል፣ ነቢረከ፣ ዘትሬኢ፣ ቀላያተ፣ ስቡሕኒ፣ኣንተ፣ ወልዑል፣ ኣንተ፣ ለዓለም።” ዘሰለስቱ ደቂቅ። ጐይታናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ኣብ፣ ታሪኽ፣ ብሄረ፣ ኣግኣዚት፣ ክርስቶስ፣ ብዘመን፣ ባዚን፣ ንጉሥ፣ ኣብ፣ መበል 8ይ፣ ዘመነ፣ መንግስቱ፣ ክርስቶስ፣ ተወልደ፣ ብ5492 ዓ-ዓ፣ ይነግረና። እንተደኣ፣ ብፈረንጂ፣ ለዊጥናዮ 5500 እዩ። (ታሪኽ፣ ቤተ/ክን) ከምቲ፣ ወለዲ፣ ንደቆም፣ ዝተወልድሉ፣ ዕለትን፣ ዓመተ ምሕረትን፣ ጽሒፎም፣ ዘመሓላልፍሎም፣ ቤተ ክርስቲያን`ውን፣ ከምኡ፣ እተተማራሚርና መዝገብ፣ ኣለዋ። ። ነገሥተ፣ ተርሴስ፣ ወደሰያት፣ ኣምኃ፣ ያበውዑ፣ ነገሥተ፣ ሳባ፣ ወዐረብ፣ ጋዳ፣ ያመጽኡ፣ ወይሰግዱ፣ ሎቱ፣ ኵሎሙ፣ ነገሥተ፣ ምድር። መዝ፥71:10 ”ነገሥታት፣ ተርሴስን፣ ደሴታትን፣ ገጸ፣ በረኸት፣ ኬቕርቡሉ፣ ነገሥታት፣ ሸባን፣ ሳባን፣ ድማ፣ ውህበታት፣ ኬምጽኡሉ፣ እዮም፣ ኩሎም፣ ነገሥታት፣ ከኣ ኺሰግዱሉ። ”መዝ፣ 71/72:10 ወርቂን ዕጣንን ከርቤን፣ ገጸ፣ በረኸት፣ ኣምጽእሉ፣ ወርቂ፣ ንንግሥንአቱ፣ ዕጣን፣ ንኽህነቱ፣ ከርቤ፣ ንመከራኡ፣ ዝገልጽ፣ ህያብ፣ ሒዞም፣ መጹ። ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዚ፣ እግዚአብሔር፣ ባዕሉ፣ ትእምርቲ፣ ኺህበኩም፣ እዩ፣ እንሆ፣ ድንግል፣ ክትጠንስ፣ ወዲ፣ ኸኣ፣ ኽትወልድ፣ እያ፣ ስሙውን፣ ኣማኑኤል፣ ኢላ፣ ኽትሰምዮ፣ እያ።ት፥ ኢሳ፡ 7:14 ሕጻን፣ ተወሊዱልና፣ ወዲ፣ ተዋሂቡና፣ እዩ፣ ንሱ፣ ኸኣ፣ ገዛኢና፣ ኪኸውን፣ እዩ። ንሱ፣ “ግሩም፣ መኻሪ፣ ብርቱዕ፣ ኣምላኽ፣ ዘለዓለማዊ፣ ኣቦ፣ መስፍን፣ ሰላም፣” ተባሂሉ፣ ኺጽዋዕ፣ እዩ። ት፥ ኢሳ፡ 9፡6 ዕጽውቲ፣ ኣፍደገ፣ እ/ሔር፣ ድማ፣ እዛ፣ ኣፍ፣ ደገ፣ እዚኣ፣ ዕጽውቲ፣ ትኹን። ት፥ሕዝቅኤል፥ 44:2 መብዛሕትኡ፣ መጽሓፍ፣ ክጸሓፍ፣ ከሎ፣ ብዘመን፣ ንጉሥ፣ እገሌ፣ ምባል፣ ልሙድ፣ እዩ። ጐይታና፣ መድሓኒና፣ ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ዝተወልደሉ፣ ድማ፣ ብንጉሥ፣ ሄሮድስ፣ ዘመን፣ እዩ፣ ነይሩ፣  ንጉሥ፣ ሄሮድስ፣ ን37, ዓመታት፣ዝነገሠ፣ ንጉሥ፣ እዩ፣ ነይሩ። እንተኾነ፣ ብዘመኑ፣ ሰማያዊ፣ ንጉሥ፣ ክርስቶስ፣ ተወልደ። እቲ፣ ትንቢት፣ ምእንቲ፣ ክፍጸም፣ ወኣንቲኒ፣ ቤተ ልሄም፣ ምድረ፣ ኤፍራታ፣ ተባሂሉ፣ ዝተነግረ፣ ብነቢይ፣ ንኽፍጸም፣ ኣብ፣ ቤተ ልሄም፣ ተወልደ፣ ”ሚክያስ፣ 5፡2-5” ሰብ ጥበብ፣ ላዕለዋይ፣ ወላዲኦም፣ “ዠረደሸት” ኣብ ጥቓ፣ ዓይኒ፣ ማይ፣ ተቐሚጡ፣ ጥበብ፣ ክመራመር፣ ከሎ፣ ሕጻን፣ዝሓቖፈት፣ ድንግል፣ ኣብ ሰሌዳ፣ ኮኾብ፣ ተሳኢላ፣ ረኣየ፣ እሞ፣ ጽሒፉ፣ ኣብ፣ ቤት፣ መዝገብ፣ ኣንበሮ፣ እዚ፣ ኮኾብ፣ እዚ፣ ምስዝረአ፣እቲ፣ ሰማያዊ፣ ንጉሥ፣ ከምዝተወልደ፣ ምልክት፣ ሃቦም። እሞ፣ ኬድኩም፣ ስገድሉ፣ ኢልዎም፣ ስለዝነበረ፡ በዚ፣ ምኽንያት፣ ብኮከብ፣ተመሪሖም፣ ናብ፣ ኢየሩሳሌም፣ መጹ።  እንበኣርከስ፣ እዛ፣ መዓልቲ፣እዚኣ፣ ሰብን፣ መላእክትን፣ ዘመስገኑላን፣ ኃይሊ፣ ኣምላኽ፣ እተገልጸላን፣ መዓልቲ፣እያ። (ማቴ፣ 1፥18-25) ልደት፣ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከኣ፣ ከምዚ፣ እዩ። ኣዲኡ፣ ማርያም፣ ንዮሴፍ፣ ተሓጽያ፣ ከላ፣ ከይተቓረቡ፣(ከይተራኸቡ) ድንግልና፣ ሥግኣን ድንግልና፣ ሕሊናን፣ ከለዋ፣ ብግብሪ፣ መንፈስ፣ ቅዱስ፣ ጠኒሳ፣ ተረኽበት። ክርስቶስ፣ ልደቱ፣ እንበለ፣ ዘርእ፣ ከም፣ ዝኸውን፣ ዝገበረ፣ ስለምንታይ፣ እዩ፣ እንተበልና፣ ቀዳማይ፣ ልደት፣ ንምግላጽ፣ ማለት፣ ኃሙሽተ፣ ሽሕን፣ ኃሙሽተ፣ ሚኢትን፣ ዘመን፣ ኪፍጸም፣ ከሎ፣ ካብ፣ እግዝእትነ፣ ማርያም፣ ብዘይ ኣቦ፣ ምውላዱ፣ ቅድሚ፣ ዓለም፣ ካብ፣ እግዚኣብሔር፣ ኣብ፣ ብዘይ፣ ኣደ፣ ከምዝተወልደ፣ ዝገልጽ፣ እዩ። ንኣብነት፣ ከኣ፣ ኣዳም፣ ካብ፣ ሕቱም፣ ምድሪ፣ ከምዝተፈጥረ፣ ሄዋን፣ ድማ፣ ካብ፣ ሕቱም፣ ጐድኒ፣ ኣዳም፣ ከም፣ ዝተፈጥረት፣ (ዘፍ፥2:7፣ ማቴ፣ 2፡2፣ ተኣምረ፣ ማርያም ገጽ፣ 71, መበል 20, ንመልከት፣ ንዝያዳ፣ ሓበሬታ።) ወ/ሉቃስ፥ 2:1-14፣ ኣብ፣ ጊዜ፣ ኣውቅስጦስ፣ ቄሳር፣ “ማለት፣ ሰጣጤ፣ ከርስ፣ ማለት እዩ።” ኣውቅስጦስ፣ ቅድሚ፣ ልደተ፣ ክርስቶስ፣ 27 ዓመት፣ ነጊሱ፣ ዝጸንሐን፣ ጐይታ፣ ብዘመኑ፣ ዝተወልደሉን፣ ቄሳር፣ እዩ። ዮሴፍ፣ ድማ፣ ካብ፣ ቤት፣ ዳዊትን፣ ካብ፣ ዓሌቱን፣ ስለዝነበረ፣ ካብ፣ ገሊላ፣ ካብ፣ ከተማ፣ ናዝሬት፣ ናብ፣ ይሁዳ፣ ቤተ ልሄም፣ እትበሃል፣ ከተማ፣ ደየቡ። ከምቲ፣ ኣብ፣ ሉቃስ፣ ወንጌል፣ ተጻሒፉ፣ እንረኽቦ፣ ልደት ጐይታናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ ካብ፣ ቅድስት፣ ድንግል፣ ማርያም፣ኣብ፣ ቤተልሄም፣ ምስ፣ ተወልደ፣ ኣብታ፣ ምድሪ፣ እቲኣ፣ ተጊሆም፣ ማሎም፣ ክሕልዉ፣ ኣብ መሮር፣ ዝሐደሩ፣ ጓሶት፣ ነበሩ፣ እንሆ፣ መልኣኽ፣ እግዚኣብሔር፣ ኣብ፣ ኣብጥቖኦም፣ ደው፣ በለ። ክብሪ፣ እግዚአብሔር`ውን፣ ኣብ ዙርያኦም፣ ኣብርሀ። ብጽዕቲትን ቅድስትን ድንግል ማርያም፣ ድማ፣ በለት፣ ነብሰይ፣ ንእግዚኣብሔር፣ ተዕብዮ፣ መንፈሰይ፣ ከኣ፣ ብኣምላኸይ፣ ብቲ፣ መድኃንየይ፣ ባህ፣ ይብሎ። ውርደት፣ ባርያኡ፣ ርእዩ፣ እዩ፣እሞ፣እንሆ፣ ኻብ፣ ሕጂ፣ ዂሎም፣ ወለዶ፣ ብጽዕቲ፣ ኺብሉኒ፣ እዮም። ወ/ ሉቃስ፡ 1፡46 ዮሐንስ፣ ከምዚ፣ ይብል፣ ብርሃን፣ ናብ፣ ዓለም፣ መጸ፣ ሰብ፣ ግን፣ ግብሮም፣ ክፉእ፣ እዩ፣ እሞ፣ ካብ፣ ብርሃን፣ ጸልማት፣ ፈተዉ። ክፉእ፣ ዝገብር፣ ዘበለ፣ ብርሃን፣ ይጸልእ፣ እዩ፣ እሞ፣ ምእንቲ፣ ግብሩ፣ ከይግለጽ፣ ኣብ፣ ብርሃን፣ ኣይመጽእን። እቲ፣ ሓቂ፣ ዚገብር፣ ግና፣ ብኣምላኽ፣ እተገብረ፣ እዩ፣ እሞ፣ ግብሩ፣ ምእንቲ፣ ኪግለጽ፣ ናብ፣ ብርሃን፣ ይመጽእ። ወ/ዮሐንስ፣ 3: 19/1ዮሐንስ 1:5-7 ብርሃን፣ ጐይታናን፣ መድሓኒናን ኢየሱስ፣ ክርስቶስ፣ እዩ። ብርሃን፣ ሓቅን፣ ቅንዕነትን፣እዩ። ብርሃን፣ ተጸጊዑ፣ ዝኸይድ፣ ኩሉ፣ ኣይዕንቀፍን፣ ሕይወቱ፣ ከኣ፣ ብርሃን እዩ። ኣሕዋተይ፣ ኩልና፣ ደቂ፣ ብርሃን፣ ኢና፣ እምበር፣ ኣብ፣ ጸልማት፣ ኣይኮናን፣ ዘለና። በዚ፣ ዘለናዮ፣ ክፍለ፣ ዘመን፣ ግን፣ ደቂ፣ ኣዳም፣ ካብ፣ ብርሃንሲ፣ጸልማት፣ ክመርጹ፣ ንርኢ፣ ኣሎና። ምስኡ፣ ሕብረት፣ ኣሎና፣ እንዳበልና፣ እሞ፣ ኣብ፣ ጸልማት፣ እንተተማላለስና፣ ደቂ፣ ብርሃን፣ ኣይኮናን። ስለዚ ምምልላስና ብብርሃን፡ ስምና`ውን ደቂ ብርሃን ክኸውን ተጊህና ንጽዓር። ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና።

Fostering & Diabetes Awareness Days

Posted on November 28, 2018
Fostering On Thursday 25th October we had a visit from Lambeth fostering and adoption service. There is currently a shortage of foster carers from the Eritrean community to care for the high numbers of children that are arriving in the country without their parents. The event was organised so that member of our congregation and other Eritreans in south London can find out how they can help to provide homes to these children and thereby helping them to settle sooner and have a better chance of making a positive start to their life here in the UK. By attending this event members were able to find out: What foster caring is? The benefits of foster caring Who is able to become a foster carer? The process involved in becoming a foster carer ———— Diabetes Awareness Day On Saturday 27th October we delivered a successful diabetes awareness day for some members of the congregation. Aster Mehretab a Health & Wellbeing Advisor and explained what diabetes is, complications of the condition, weight management, importance of exercise and food management, monitoring and the impact of diabetes. We also had guest speaker Rebecca Strutton from Guys and St. Thomas’s NHS Foundation Trust, who talked about the importance of having an annual diabetic eye screening. Rebecca explained the screening process and how images are graded according to the level of diabetic retinopathy. This was followed by members having an opportunity to have their blood glucose levels and blood pressure monitored. There was examples of how to prepare healthy food and portion sizes.  

Events

< 2025 >
January 22 - January 28
  • 22
    No events
  • 23
    No events
  • 24
    No events
  • 25
    No events
  • 26
    No events
  • 27
    No events
  • 28
    No events

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤልን አቡነ አረጋዊን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

78 Edmund Street
London SE5 7NR

Phone: (0044) – 020 7703 5147
E-mail: admin@debresahl.com